ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ:ብሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ሞይቶም


ትማሊ 28 ግንቦት 2018 ኣብ ጽርጊያ መስመር ኣስመራ ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ከምዝሞቱን፣ መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ዝርከብዎም 11 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ክምዝበጽሖም ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ኤርትራ ለተናል ኮለኔል መሓሪ ንጉሴ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።


አታ ቱርቦ ዝዓይነታ ናይ ውልቂ ናይ ገጠር ኣውቶቡስ ደብረሲና ዝኸዱ 45 ነጋድያን ኣሳፊራ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ፣ካብ ኣስመራ 54 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ ከባቢ ሽንድዋ ፣ ፍርቂ ሜትሮ ዝንውሓቱ መከላኸሊ መንደቕ ትሒሳ፣ ንየማን 87 ሜተር ከምዘንከራረወትን ምሉእ ብምሉእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾነትን ለተናል ኮሎነል መሓሪ ንጉሴ ኣረዲኡ።


ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ምዉታት ከምዘይወሰኸ ዝሓበረ ሌተናል ኮሎነል መሓሪ፣ ጠንቂ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ክቱር
ናህሪ ጠንቂ ሓደጋ ክኸወን ከምዝኽእል ኣፈናዊ ሓበሬታ ከምዘሎን ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ:ብሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:43 0:00

XS
SM
MD
LG