ኣስመራ —
ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ኣብ ዓዲ ዑና ዋጦት ትብሃል ዓዲ ትነብር ብሕርሻ ትናበር ስድራ`ያ- ስድራቤት አቶ ሳልሕ ኣሕመድ።
እዛ 2 ኣዋልድን 5 ኣወዳትን ዝረከብዎም 9 ኣባላት ዘለዋ ስድራ፡እቶም 4 ኣወዳት ብዘጋጠሞም ጠንቁ ዘይተፈልጠ መልመስቲ ኣእጋር ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን’ዮም።
እቲ ስንክልና ኣብቶም ኣወዳት ጥራይ ብፍሉይ ዘጋጥም ምዃኑ ከኣ ነታ ስድራ ይኹን ነቲ ጉዳይ ብደቂቕ ዝተከታተሉን ዝመርመሩን ሓካይም ዘይተፈትሐ ግድል’ዩ ኮይንዎም ዘሎ።
ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ኩሉ ዓይነት ባህላውን ዘመናውን ሕክምና ብተደጋጋሚ’ዃ እንተፈተኑ፡ እቲ ጠንቂ ይኹን ዓይነት ናይቲ ሕማም ክንጽርን ክፍለጥን ስለዘይከኣለ ንዝያዳ ሕክምናዊ ሓገዝን መርመራን ናብ ሱዳን ክወስዶም ከምዝወሰነ ይዛረብ።
ብርሃነ በርሀ ንኣቶ ሳልሕ ኣሕመድን ንዝተሓጋገዞ ወዲ ሓውብኡ ኣቶ ዖስማን ኣዘራሪቡ`ሎ።