ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ባህርያዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ዘማዕበለት ሓረስታይ


ወ/ሮ ገነት በኹረጺዮን ዝተባሃለት ሓረስታይ ካብ ዕረ፡ ኒምን ጉዕ-በርበረን ባህርያዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ኣማዕቢላ።ነቲ ባህርያዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ካብ ሓደ መጽሔት ንዝረኸበቶ ሓበሬታ ምርኩዝ ብምግባር ከም ዘዳለወቶ ዝሓበረት ወ/ሮ ገነት እቲ ጸረ ባልዕ መድሃኒት ንኹሎም ኣብ ኣትኽልቲ ዝረኣዩ ባልዓት ከምዘጥፍእ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ።

እቲ ጸረ-ባልዕ ካብ ኬሚካል ነጻ ብምዃኑ ዘይተበከለ ምህርቲ ኣብ ምርካብ ሓጋዚ ከምዝኾነ ዝተዛረበት ወ/ሮ ገነት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ምጉዳል’ውን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጻ። ተጠቃሚት ናይ’ቲ ጸረ-ባልዕ ከምዝኾነት ዝገለጸት ወናኒት ቤት መሽጣ ዕምባባን መደበር ፈልስን ሻም ፡ወ/ሮ ሰናይት ብኹሉ መዳያቱ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ።

እዚ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ብሚኒስትሪ ሕርሻ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ዘመልከተት ወ/ሮ ገነት ኣብ ቀጻሊ ብሓርጭን ካልእን መልክዕ ንምድላዉ መጽናዕትን ፈተነን ይካየደሉ ከምዘሎ ሓቢራ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ባህርያዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ዘማዕበለት ጓል ኣንስተይቲ ሓረስታይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:59 0:00


XS
SM
MD
LG