ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 31 ምብጽሑን ብቻይናዊ ቢልየነር ዝተለገሰ መከላከሊ'ቲ ቫይረስ ኤርትራ ዘይምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ሰባት ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተገሊጹ

ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ናብ 31 ደይቡ`ሎ። ኩሎም ሕሙማት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ብዙሕ ዝተዘርበሉ ቻይናዊ ቢልየነር ጃክ ሞ ዝለገሶ ቀረባት መከላኸሊ ጸረ ኮሮና ቫይረስ፥ ናብ ኤርትራ ከምዘይበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።


እቲ ኣቅሑት ናብ ኤርትራ ስለምንታይ ከምዘይበጽሐ ጽጹይ ሓበሬታ ዛጊት ኣይተረኸበን።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትካል ምክልኻልን ቁጽጽርን ሕማማት ኣፍሪቃ ግና፥ ነቲ ኣቁሑ ዝጻዓነት ነፋሪት ፥ መጋቢት 23 ካብ ካርቱም ናብ ኣስመራ ክትበርር መደብ ነይሩ፣ እንተኾነ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ንክትዓልብ ኣይፈቐዱላን ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG