ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኤርትራ ሰራዊት ተኽትት” መንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን


ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ- ፋይል
ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ- ፋይል

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ንክኸተት ክዳሎ ጻውዒት የካይድ ምህላዉ ንመንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። እዚ ናይ ክተት ጻውዒት ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትእጕጓሉን ብወገን ህወሓት ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዘይሰለጠሉን እዋን’ዩ።

መንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን ብዛዕባ ጕዕዞ ናብ ኤርትራ ኣመልኪተን ንዜጋታትን ኣብ ዘውጽአኦ ናይ መጠንቀቕታ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝወጸ ዘዋሪ ናይ ክተት መምርሒ ዜጋታትን ናብታ ሃገር ምስ ዝገሹ ዝያዳ ጥንቃቐ ክግበሩን ብሰንኪ’ቲ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ድማ ዝበርትዐ ናይ ጸጥታ ቍጽጽር ክስዕብ ከም ዝኽእልን ኣመልኪተን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ፡ ኤርትራ ዕቑር ሰራዊታ ንክኸተት ጸዊዓ ኢሉ ንዝዝርግሖ ዜና፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ነታባይ፡ “ናይ ቀደም ስእሊ ተጠቒምካ ዝግበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዜና” ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፉ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG