ኣስመራ —
ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብናህሪ እናጎደለ ይመጽእ ከምዘሎን ብሓፈሻ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘተባበዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎን ፡ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ፍርያምነት ኣቶ ኤፍረም ዝብኣይ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ 2640 ዓድታት ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኣቶ ኤፍረም፡ ኣብዘን ዓድታት ዘሎ ምኽንሻብ ትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ፡ ናብ 1% ምውራዱ ሓቢሩ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ 2030 ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋዱ ተተሊሙ ይስርሓሉ ከምዘሎን፡ሚንስትሪ ጥዕና ምስ ሚንስትሪ ዕዮን ማሕበረዊ ድሕነትን ሃማደኤን ብምተሕብባር በብግዚኡ ዝትግበር መደብ ወጺኡ ይስርሓሉ ስለዘሎ እቲ ኤርትራ ቅድሚኡ ካብ ልምድታት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ክትከውን ከምትኽእል ኣቶ ኤፍሬም ኣረዲኡ።
“ዓለምለኸ መዓልቲ ዜሮ ተጻዋርነት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ” ፡ ትማሊ ሓሙስ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ ኔሩ።