ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ መበል 30 ዓመት ናጽነታ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ምድላዋት  ብድምቀት ጸምቢላ


ኤርትራ መበል 30 ዓመት ናጽነታ ሰኑይ 24 ግንቦት ብዝተፈላለዩ ስነ--ጥበባዊ ምድላዋት ብድምቀት ጸምቢላ::

ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ስታድዮም ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣፈወርቂ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሓያላት ሃገራት ብምስምስ ግጭት ዶብ ንኤርትራ ኣብ ኩናት ብምእታው ጅሆ ብምሓዝ ንምቁጽጻራ ዝተኻየደ ሽርሕን ተጻብኦታትን ብጽንዓትን ጅግንነት መኪታ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትርከብ ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ሕጂ ዝትኻየዱ ፈተነታትን ሽርሕታትን ብምምካኑ ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ቅሉዕ ሸፈጥን ጥፍሽናን ‘ዩ ክብል ገሊጹ።ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመዓልቲ ናጽነት ብዝተፈላለዩ መስናዶታት ጸምቢሎማ’ዮም።"

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG