ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ መበል 24 ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ተኻይዱ

መበል 24 ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተካይዱ።

ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ኣፈወርቂ ብርሃነ ቀዳማይ፡ ዮናስ ያቆብ ካልኣይ፡ ኣብራር ዑስማን ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ክዕወቱ ከለው ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ፡ ፋኑስ አለም ካልኣይቲ፡ ለምለም ተወልደብርሃን ሳልሳይቲ ብምዃን ተዓዊቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG