ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ:ሓሙሽተ መንእሰያት ብካርድ ትሕደስ ናይ ኤሌክትሪክ ቆጻሪት ሰሪሖም


ተስፎም ሞጎስ፡ስምኦን ስብሃቱ፡ዮናስ ገ/ማርያም፡ተስፋጋብር ሽሻይን ቶማስ ጸጋይን ዝተባህሉ ተማሃሮ፡ ዝሓለፈ ሰነ 2019 ካብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብዓውዲ ምህንድስና ኤለክትሪክ ትምህርቶም ኣብ ዝዛዘምሉ እዋን ብካርድ ትሕደስ ወይ ትሰርሕ ናይ ኤለክትሪክ ቆጻሪት ከምዝሰርሑ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

እታዝሰርሕዋ ቆጻሪት፡ኣብ ልዕሊ’ታ ኣብ ስራሕ ዘላ ቆጻሪት ውሑዳት ኣቁሑ ብምውሳኽ ከምዝሰርሕዋን ቀንዲ ዕላምኣ ከኣ ነቲ ኣብ ተገልጋላይን ሰራሕተኛታትሓይሊ መብራህትን ኣብ ምኽፋል ዝጠፍእ ዝነበረ ግዜን ዝፍጠር ጸቕጢ ስራሕን ብምጉዳል ውሕሉል ኣጠቃቕማ ኤለክትሪክ ንምትእትታውን ከምዝኾነ እቶም መንእሰያት ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ:ሓሙሽተ መንእሰያት ብካርድ ትሕደስ ናይ ኤሌክትሪክ ቆጻሪት ሰሪሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:08 0:00


XS
SM
MD
LG