ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ህዝባዊ መጎዓዝያን ትካላት ትምህርትን ስርሐን ከቋርጻ ተኣዚዙ


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ: ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻር: ሎሚ ሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ቁጽሪ 5 ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ: ኩለን ኣብያተ ትምህርትታትን ኣብ ኩለ ከተማታት ኤርትራ ዝርከብ ህዝባዊ መጎዓዝያን ካብ ጽባሕ ዓርቢ 27 መጋቢት ኣትሒዙ ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ክብል ኣዚዙ።

ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና: ካብ ጽባሕ ዓርቢ ኣትሒዙ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮለጃት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ እየን። ብተመሳሳሊ ኣውቶቡሳት ሚኒባሳትን ታክስታትን ስርሐን ደው ከብላ እየን። እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ: ብዘይካ ንፍሉይ ኩነታትን ብፍቓድ ዝምልከቶ ኣካልን ካብን ናብ ከተማን ገጠርን ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት ካልኦት ኩለን ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ደው ክብላ እየን።

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ሽዱሽተ በጺሑ ምህላው መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ንሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብተወሳኺ ሓቢሩ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ኤርትራ: ህዝባዊ መጎዓዝያን ትካላት ትምህርትን ስርሐን ከቋርጻ ተኣዚዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG