ዋሽንግተን —
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ግብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከይተረፈ ቁጽጽር ኣብ ዘይብሉ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ" ይብል::
ንሶም ወሲኾን "እንተኾነ ግና እዞም ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ህወሓትን ብሓፈሻ ከም ኦቻን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝአመሰላ ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝምርሑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት: ገለ መንግስታትን መሓውራት ዜና ክግለጹ ኣይረኣይን" ኢሎም::
ነዚ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ምላሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ረኸብና ከምነቕርብ ክንሕብር ንፈትው::