ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ ቕትለት ይፍጽም ኣሎ ክትብል ትኸስስ


ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ግብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከይተረፈ ቁጽጽር ኣብ ዘይብሉ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ" ይብል::

ንሶም ወሲኾን "እንተኾነ ግና እዞም ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ህወሓትን ብሓፈሻ ከም ኦቻን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝአመሰላ ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝምርሑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት: ገለ መንግስታትን መሓውራት ዜና ክግለጹ ኣይረኣይን" ኢሎም::

ነዚ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ምላሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ረኸብና ከምነቕርብ ክንሕብር ንፈትው::

XS
SM
MD
LG