ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናጽነት ክዓያ ክትፈቕድን መሰል ናጽነት ሃይማኖት ከተኽብርን ሕ/ሃ ጸዊዑ


ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናጽነት ክዓያ ክትፈቕድን መሰል ናጽነት ሃይማኖት ከተኽብርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዔን።

ፍልይቲ ራፖርተር ዳንኤላ ክራቨተዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብቀረባ ዝተራእየ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ቅየዳ ትካላትን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያን ጉባኤታት ክርስትያንን ከቢድ ሻቕሎተን ገሊጸን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእየ ምቅያድ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያንን ጉባኤታትን ዘርእዮ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን እንተተመሓየሸ’ዃ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ግን ከምዘይተቐየረ’ዩ ክብላ ፍልይቲ ራፖርተር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ሕ/ሃ ዳንኤላ ክራቨተዝ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ራፖርተር ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG