ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣንጸባራቒ ዓወት ይሓፍሱ


ኣካል ናይቲ ፍለሚሽ ዎርልድ ቱር ክላሲክ (Flemish World Tour classic)ዝኾነ፡ ንሓንቲ መዓልቲ ዝካየድ ብሰንበት 27 መጋቢት ኣብ በልጅዩም ዝተቓንዐ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻኡ፡ ኣብቲ ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ብምዃኑ ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብቲ 248 ኪሎ-ሜተራት ዝሸፈነ ውድድር ገንት-ዊቪልኻም (Gent–Wevelgem)፡ ምስ ጋንታ ኢንተርማሸ ተሰሊፉ ዝወዳደር ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም፡ ምስታ እቲ ውድድር ንኽዛዘም 24 ኪሎ-ሜተር ምስ ተረፎ መሪሓ ዝነበረት ቀዳሞት መራሕቲ ጕጅለ ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሑ’ዩ፡ ኣብ ከባቢ 250 ሜትሮ ብዝፈነዎ ሓያል መጥቃዕቲ ነቲ ብድሕሪት ኰይኑ ክኽተላ ዝጸንሐ ጕጅለ ቀዲሙ ተዓዊቱ።

ካብ 1934 ኣትሒዙ ዓመታዊ፡ ሰሙን ቅድሚ ውድድር ዙር ፍላንደርስ ዝካየድ ውድድር ገንት-ዊቪልኻም፡ ቢንያም ምዕዋቱ ንነብሱ’ውን ልዕሊ ትጽቢትን ምዃኑ ድሕሪ’ቲ ውድድር ተዛሪቡ።

ካብ ቅድድም ብሽክለታ ከይወጻእና፡ ኣብቲ ኣብ ሻርማ-ሼክ ግብጺ ክካይድ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ብውህሉል ናይ ግዜ ሰሌዳ ኤርትራ ብጋንታ ደቂ-ተባዕትዮ ቀዳመቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ ነቲ ውድድር ዛዚሙዎ ኣሎ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን
ሄኖክ ሙሉብርሃን

በዚ መሰረት ንዝሓለፈ 10 ተኸታተልቲ ዓመታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሻምፕዮን ናይዚ ውድድር ንምዃን በቒዖም ኣለዉ። ኣብቲ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ-ኣፍሪቃን ኣልጀሪያን፡ ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ወጺአን ኣለዋ።

ኣብቲ ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ኣብ ምስሪ ሻርም ኣሽኽ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብ7 ወርቂ፡ 6 ብሩርን 2 ነሓስ ብድምር ብ15 መዳልያታት እያ ጎብለለ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ።።

ቀዳም 26 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር ከኣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ብተመሳሳሊ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ምስሪ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፡ ኣልጀሪያ፡ ሞሪሸስ፡ ሞሮኮ፡ ማሊ፡ ቱኒዝያ፡ ዩጋንዳ፡ ናሚብያ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶን ናይጀሪያን ተሳቲፈን ኔረን።

XS
SM
MD
LG