ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኤልፓ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ተፈራ ገብረክርስቶስ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብገፊሕ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ሃገራዊት ጋንታ ታይላንድ ክትዕወት ምኽኣላ ብዝኾነ መለክዒ ብቕዓት ትመጣጠና ጋንታ ኮይና ብዘይምቕራባ ምንባሩ ገሊጹ። እቲ ኣሰልጣኒ ሓንቲ ካብተን ኮኾብ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ ኣመሪካ ንዝኾነት መጋን ሮፒኖ፤ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ 14 ከምዘሰልጠና ዝገልጽ ተፈራ ገብረክርስቶስ፡ ብብቕዓታ ኣመና ከምዝተደነቐ ብምግላጽ: ይኹንምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ መድረኽ ተሳቲፋ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ታሪኽ ክትሰርሕ ትጽቢት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ። ሙሉእ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።
Embed
share
Embed
share
The code has been copied to your clipboard.
The URL has been copied to your clipboard
No media source currently available