ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ገዲም ተጻዋታይ ጋንታ ኤልፓ ቀይሕ ባሕሪ ተፈራ ገብረክርስቶስ ኣብ ጉዳይ ታሪኻዊ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ


ተፈራ ገብረክርስቶስ ካብ ኣስመራ ጋንታ ሮኬት ሰንበል ተበጊሱ ናብ ህቡብ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ጋንታ ኤልፓ ኮይኑ ንንነዊሕ ዓመታት ዝተጻወተን ብምልከት ጸወትኡ ንኣፍቀርቲ ስፖርት ዘረስረሰን ድሒሩ ኣብ ኣመሪካ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ጋንታታት 14 ዓመትን 17ን ንነዊሕ ዓመት ዝሰርሓ ስፖርተኛ’ዩ። ምስ ተፈራ ገብረክርስቶስ ሓጺር ዕላል አካይድና አለና።

ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኤልፓ (ቀይሕ ባሕሪ) ዝነበረ ተፈራ ገብረክርስቶስ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብገፊሕ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ሃገራዊት ጋንታ ታይላንድ ክትዕወት ምኽኣላ ብዝኾነ መለክዒ ብቕዓት ትመጣጠና ጋንታ ኮይና ብዘይምቕራባ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ኣሰልጣኒ ሓንቲ ካብተን ኮኾብ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ ኣመሪካ ንዝኾነት መጋን ሮፒኖ፤ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ 14 ከምዘሰልጠና ዝገልጽ ተፈራ ገብረክርስቶስ፡ ብብቕዓታ ኣመና ከምዝተደነቐ ብምግላጽ: ይኹንምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ መድረኽ ተሳቲፋ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ታሪኽ ክትሰርሕ ትጽቢት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ።

ሙሉእ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።
XS
SM
MD
LG