ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይን ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅን ዓሪፎም


ኤርትራዊ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይን ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፎም።

ብባህላዊ ጸወታት ጓይላ ትግርኛ ደርፍታቱ ዝያዳ ዝልለ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይ ናብ ትማሊ ሰሉስ ናብ ዘውግሐ ለይቲ ብሓደጋ መኪና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዕራፉ ኣዕሩኽቱን ቀረብቱን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ድምጻዊ ኢያሱ ሰለስተ ኣልቡማትን ካልእ ንጽል ደርፍታት ዘፍረየ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ድማ ይጻወት ነይሩ። ድምጻዊ ኢያሱ ምስ ዝበዝሐ ተዓዘብቲ ዝተፋለጠ ኣብ ቀዳማይ ፈላማይ ውድድር ሽንግርዋ ብዝነበሮ ግደን ሳልሳይ ኮይኑ ሞዕዋቱን ከምኡ ድማ ከም ናይ በረኸት መንግስትኣብ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም ደርፍታት ብዘርኣዮ ናይ ምድጋም ብቕዓትን’ዩ።

ንእሽቶ ሓዋ ንገዲም ድምጻዊት ተበርህ ተስፋሁነይ ዝዀነ ኢያሱ፡ ቀብሩ ኣብ ኣስመራ ክፍጸም ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር። ድምጻዊ ኢያሱ ኣብ መበል 50 ዓመት ምማቱ ስድራቤቱ ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ፡ ብልዑል ተውህቦኡ ናይ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቂ ብዝሓደሮ ሕማም ብሞት ተፈልዩ`ሎ።

ማዲንጎ ትማሊ ባዕሉ መኪና እናዘወረ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ሕክምና ከምዝዓረፈ ናይ ሞያ ብጾቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ቅድስቲ ስላሰ ካተድራል ከም ዝካየድ ወሃቢ-ቓል ኮሚቴ ምድላው ቀብሪ ዝኾነ ሰይፉ ፋንታሁን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።

ብዛዕባ ሞት ማዲንጎ ኣፈወርቂ መልእኽቲ ዘሕለፈ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ማዲንጎ ብሞት ምፍላዩ ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ማዲንጎ ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ብዙሕ ዝሰርሐ” ክብል ገሊጽዎ`ሎ።

XS
SM
MD
LG