ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ ዝርከቦም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ምርጫ ኮንግረስ ተዓዊቶም


ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ

ሰልፊ ዴሞክራት ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኮንግረስ 219 ብ 193 ዝኾነ ውጽኢት ዓወት ዝቐንዖም ክኸውን እንከሎ: ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ድማ ኣብ ምርጫ መናብር ሰነት 51ብ 45 ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊቶም ኣለው።

ውጽኢት ምርጫ መናብር ኮንግረስ
ውጽኢት ምርጫ መናብር ኮንግረስ

ብመሰረት ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተረኽበ ውጽኢት ናይ ብ'ሚድ ተርም' ዝፍለጥ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣሜሪካ እቲ ብሰልፊ ሪፖብሊካውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ መናብር ኮንግረስ ናብ ሰልፊ ደሞክራትስ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ: መናብር ሰነት ግን ሕጂውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ውጽኢት ምርጫ መናብር ሰነት
ውጽኢት ምርጫ መናብር ሰነት

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ንመንበር ኮንግረስ ዝተወዳደረ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ብጆ ንጉሰ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ተዓዊቱ ኣሎ። ዓወት ጆ ንጉሰ ንክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣብ ምርጫ መንበር ኮንግረስ ብምዕዋት ፍሉይ ገይርዎ ይርከብ።

ረሺዳ ጠይብን ኢልሃን ዖመርን
ረሺዳ ጠይብን ኢልሃን ዖመርን

ብተመሳሳሊ ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚኖሶታ ኢልሃን ዑመር ዝተባህለት ሶማላዊት ኣመሪካዊት ከምኡውን ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚሺጋን ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ረሺዳ ጠይብ ብተመሳሳሊ ኣብ ምርጫ መናብር ኮንግረስ ናይ ፈለማ ደቂኣንስትዮ ኣመንቲ ምስልምና ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG