ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ እሱር ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ኣብ ምግዕዓዝ ከሎ ርእሰ ቕትለት ፈጺሙ


ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ዝነበረ ኤርትራዊ እሱር ክፍሊ ምኽባር ኤምግሬሽን ንግምሩክን ኣሜሪካ ርእሰ ቕትለት ምፍጻሙ ሓቢሮም።

እቶም ሰበ ስልጣን ብተወሳኺ እቲ ዘርእሰናይ ኤርምያስ ተስፋጽየን ዝተባህለ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ ናይቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ቦታ ብረቡዕ ርእሰ ቅትለት ምፍጻሙን ሬስኡ ናብ ሀሊፖሊስ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ሓቢሮም።

ነዚ ሓበሬታ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጋዜጠኛታት ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓድ ብዘይምርካቦም መንነቶም ክገልጹ ፍቃደኛታት ከምዘይኮኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ገሊጹ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካ ክፍሊ ምኽባር ኢምግሬሽንን ግምሩክ ንሞት ኤርትራዊ ዘርእሰናይ ኤርምያስ ተስፋጽየን ብምርግጋጽ ካብ የካቲት 2,2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሑን ናብ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ኣብ ሂዳላጎ ቴክሳስ ከምዝተታሕዘን ኣፍሊጡ’ሎ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG