ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓጺር ሌላ ምስ አባል ኮንግረስ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ


ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ(ዮሴፍ ንጉሰ) ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ (ኮንግረስ)ኣሜሪካ ንክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝወከለ ፈላማይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ወዲ 34 ዓመት ጆ ንጉሰ በዓል ሞያ ሕጊን ተሓላቒ ሲቪል መሰላት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኣገልጊሉ።

ወለዲ ጆን ቅድሚ 35 ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ብስደት ምስ መጹ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብዎ ነጻነትን ዝተፈላለየ ዕድላት ብምጥቓም ንጆን ሓፍቱን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ንእስነቶም ከምዝሳተፉ ጌሮም’ዮም።

ሓጺር ሌላ ምስ አባል ኮንግረስ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

ጆ ንጉሰ ድሕሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ብዓውዲ ሕጊ ምምራቑ ወሃቢ ቃል ንናይ ሽዑ እዋን ተወካሊ ህዝቢ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝነበረ ኣንድሪው ሮማኖፍ ብምኳን ሰሪሑ ድሒሩ ንመንእሰያት ኣብ ምውሃብ ድምጺ ክነጥፉን ክሳተፉን ዝጉስጉስ ንትሪፊ ዘይሰርሕ ‘ኒው ኤራ ኮሎራዶ’ ዝብል ትካል መስሪቱ።እቲ ትካልብዘካየዶ ጎስጋስ ኣስታት 150,000 መንእሰያት ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ክሳተፉ ጌሩ’ዩ በዚ ኣበርክቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ አጋጣሚ ስም እቲ ትካል ክጥቐስ ይስማዕ።

ኣብ 2008 ድማ ኣብ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ካልኣይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብምዃን ንሽዱሽተ ዓመታት ሰሪሑ።ቐጺሉ ብዕድመ ዝነአሰ ኣብ ካቢነ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተመዘዘ ዜጋ ብምዃን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኤጄንሲ ምክልካል ሃልኪ ንክልተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ንተወከልቲ ህዝቢ ምምራጽ ዝካየድ ምርጫ ድማ ናይ መጀመርያ ንክፍለ ግዝኣት ዝወከለ ጸሊም ኣሜሪካ ብምኳን ትማሊ ሕዳር 6 ዝተኻየደ ምርጫ 2018 ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ተዓዊቱ`ሎ።

ጆ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንመሳርሕቱን ወለዱን ብምምስጋን ወለዱ ዝሓሸ መጻኢ ንደቆምን ደቂ ደቆምን ንምምዕራይ ንዝኸፈልዎ ዋጋ ብምምስጋን “ወለደይን ንዝገጠሞም ብድሆ ሰጊሮም ነዚ ህይወት ክመርሕ ብምኽኣለይ ኣብዚ በጺሓ። ሳልኦም እየ ኣብዚ በጺሓ።ስደራይ ከም ስደተኛታት ንመጻኢ ወለዶ፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ጎረባብቲ ንምሕያል ማሕበረሰብ ዝኸፈልዎ ዋጋ፡ ተማሃሮ ንዝሓሸን ዝበለጸን መጻኢ ዘቕረብዎን ዝካፍልዎም ሓሳባት ንሃገርናን ሕብረተሰብናን ዝሓሸ መዓልታት ኣብ ቅድሜና ከምዘሎ ዝሕብርን ተስፋን ርእሰ ተአማነትን ንዓይን ንዓኻትኩምን ንኩላትናን ዝህብ እዩ።”

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ህልው ኩነታት ፈታኒ ጊዜ እዩ ዝበለ ጆ “ዋላ’ኳ ፍርሂ ተመሓላላፊ እንተኾነ ተስፋ’ውን ከምኡ እዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመር ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ፓኪስታናዊት ኣሜሪካዊት ራሺዳ ጠይብ ፈላሞት ደቂ ኣንስትዮ ኣመንቲ እስልምና አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኮይነን ተመሪጸን ኣለዋ።

ኢልሃን ድሕሪ ዓወታ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ሎሚ ህዝቢ ካብ ፍርሂ ተስፋ ካብ ምክፍፋል ድማ ሓድነት ዝመረጸሉ መዓልቲ እዩ ኢላ።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ብተቕርቦ ተሪር ነቐፌታ ትፍለጥ ፍልስጤማዊት ኣሜሪካዊት ረሺዳ ጠይብ ብወገና አባል ኮንግረስ ብምኳና መርገጺኣ ከምዘይቕየር ሓቢራ’ላ።

XS
SM
MD
LG