ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዓወት ኢያሱ ኣብ ምርጫ ቤት ምኽሪ ከተማ ክላርክስተን ዳግማይ ተዓዊቱ


ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝተካየደ ምርጫ አባላት ቤት ምኽሪ ከተማታት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዓወት ኢያሱ ካብ ከተማ ክላርክስተን ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ተዓዋቲ ብምዃን ዳግማይ አባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ክላክስተን ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ክከውን ክኢሉ’ሎ።

ዓወት ኣቐዲሙ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት አባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ክላርክስተን ብምኳን እተን ናይ መወዳእተ ክልተ ዓመታት ድማ ምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ብምኳን ሰሪሑ’ዩ።

ዓወት ኣብ ኤርትራ ከተማ ከረን ተወሊዱ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምዝዛሙ ኣብ 1996 ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብምጽንባር ኣብ 2000 ብዓውዲ ታሪኽ ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ። ድሕሪኡ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣሜሪካ ብምምጻእ ኣብ 2002 ብዓውዲ ጉዳያት ኣፍሪቃ ካብ ካሊፎንያ ዩኒቨርሲቲ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተመሪቑ። ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ናብ ከተማ ክላርክስተን ግዒዙ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ኣብታ ከተማ ይነብር ምህላው ይገልጽ።

ዓወት ናብዚ ስራሕ ወይ ኣገልግሎት ክኣትው ዝደረኾ ምክንያት ብምግላጽ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ይጅምር።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG