ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ኣብ ባይቶ ኒውዝላንድ ኮይኑ ምምራጹ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዓኒሉ


ኣቶ ኢብራሂም ዑመር
ኣቶ ኢብራሂም ዑመር

ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር: ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ንሰልፊ ዕዮ ወኪሉ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ።

ኢብራሂም ዑመር ኣብ ታሪኽ ምርጫ ባይቶ ኒውዝላንድ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ'ዩ ተመሪጹ። ንሱ ብተወሳኺ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ካልኣይ ኣባል ባይቶ ኒውዝላንድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ'ዚ ብሃይማኖትውን ካልኣይ ኣማኒ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ባይቶ ኒውዝላንድ ክኸውን ከምዝበቕዐ ብተወሳኺ ተገሊጹ።




ኢብራሂም ዑመር ኣብ 2003 ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወን ኣብ ሱዳን ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትርጉም ይሰርሕ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ኒውዝላንድ ድሕሪ ምእታው ድማ ኣብ ናይ ጽሬት ስራሕ ተዋፊሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ ብተወሳኺ ተጠቒሱ ኣሎ።

ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዝሃቦ ቃል ናይ ፈለማ ኣፍሪቃውን ካልኣይ ድማ ኣማኒ ምስልምና ኣብ ባይቶ ኒውዝላንድ ኮይነ ምምራጸይ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዓኒ ምባሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

ኒውዝላንድ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘካየደቶ ምርጫ ኣባላት ባይቶ 40 ሓደስቲ ኣባላት ዝመረጸት ክትኸውን እንከላ: መራሒት እታ ሃገር ጀሰንዳ ኣደርን ድማ ብዓብላሊ ድምጺ ንካልኣይ ናይ ስራሕ ግዜ ተመሪጻ ኣላ።

XS
SM
MD
LG