ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ንእምባ ኬንያ ይድይቡ


ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ንእምባ ኬንያ ይድይቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:45 0:00

ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ንእምባ ኬንያ ይድይቡ

ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዶ/ር ናይዝጊ ገበረመድህን ኣብ መበል 84 ዓመቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ, 2018 ን5000 ሜትር ብራኸ ዘለዎ እምባ ኬንያ ብምድያብ ናይ መጀመርያ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ነቲ እንባ ዝደየቡ ምኳኖም ተገሊጹ’ሎ።

ዶ/ር ናይዝጊ ነዚ እምባታት ናይ ምድያብ ልምዲ ወዲ 25 ዓመት ከለው ንእምባ ኪሎማንጃሮ ብምድያብ ከምዝጀመርዎ ይገልጹ። ንኪሎማንጃሮ ኣርባዕተ ጊዜ ነዚ ሎሚ ኣብ መበል 84 ዓመቶም ዝደየብዎ እምባ ኬንያ ድማ ንመበል 13 ጊዜ ይድይብዎ ከምዘለው ይገልጹ።

ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ 1930ታት ወለዶም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተሰደዱ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ክኮኑ ከለው ኣብ 1957 ዓ.ም ምስ ሸሞንተ ኢትዮጵያዊያን ብምዃን ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ትምህርቲ ምህንድስና ምምሃሮምን ካብኡ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ክሳብ ደርግ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ብሞያ መምህርነት ከምዘገልገሉ ካብኡ ግን ናብ ኬንያ ብምስዳድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ኽኮኑ ከለው ኣብ 1994 ድማ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ምዕቓብ ከባቢን ኣብ መጽናዕቲ ስነ ጥንታዊ ህንጻታት ኣስመራ ን11 ዓመታት ኣገልጊሎም እዮም።

ዶ/ር ናይዝጊ ንመጀመርያ ጊዜ ንእምባ ኪሎማንጃሮ ብከመይን ከምዝደየብዎ ብምግላጽ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ዕላል ይጅምሩ።

XS
SM
MD
LG