ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2019 ክሳተፍ'ዩ


 ናትናኤል ብርሃነ
ናትናኤል ብርሃነ

ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ክለብ ኮፊደስንን ሻምፕዮን ዙር ኤርትራን ናትናኤል ብርሃነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ 2019 ክሳተፍ ምኻኑ ተፈሊጡ።

እዚ ዝተሓበረ: ክለብ ኮፈደስ ሎሚ ረፍዲ ዝርዝር ኣብ ዙር ፈረንሳ 2019 ዝስለፉ ተቐዳደምታ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባራ እዩ።

ናይ ሎም ዘበን ዙር ፈረንሳ ንመበል 106 ግዜ ዝካየድ ኮይኑ: 3,480 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ናትናኤል ብርሃነ
ናትናኤል ብርሃነ

ክለብ ኮፊደስ: ኣብቲ ብደረጃ ዓለም ስሙ ግኑን ዝኾነ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ኣብዚ ዓመት ንመበል 23 ግዜ ክትሳተፍ’ያ ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት: ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ኣቐዲሞም ኣብ ዙር ፈረንሳ ተሳቲፎም ምንባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG