ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል መብራህቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ተስፋ ካሜሩን ማለት Tour de l'Espoir ተዓዋቲ ኮይኑ ውድድር ፈጺሙ።
ናትናኤል መብራህቶም 500 ሜትሮ ንመዛዘሚ መስመር ክረግጽ ምስተረፎ ብዝፈነዎ ናይ ቮላታ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ያውንደ ካሜሮን ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድ ድር ብዘደንቕ ብቕዓት ክዕወተሉ ክኢሉ ኣሎ። በዚ ድማ ምስ ናይትናኤል ኣብ ቅጽበታዊ ውድ ድር ተጸሚዱ ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ፍራንሲስኮ ካምፖስ ካልኣይ ኮይኑ ነቲ ውድ ድር ክፍጽሞ ተገዲዱ ኣሎ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ያቆብ ደበሳይን ኣብዚ ራብዓይ መድረኽ ሳልሳይን ራብዓይን ኮይኖም ነቲ ውድ ድር ምዝዛሞም ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
በዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ብጫ ማልያ ሕጅውን ምስ ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ክትቕጽል እያ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመረ ዙር ተስፋ ካሜሮን ብዘይካ ኣብ ካልኣይ መድረኽ: ዛጊት ኣብ ኩሉ መደረኻት ማለት ኣብ ቀዳማይ ሳልሳይን ከምኡውን ራብዓይን መድረኻት ብዓወት ብምፍጻሞም ኣብ መሪሕነት ይርከቡ።
ኣብ ዙር ተስፋ ካሜሩን Tour de l'Espoir ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ኣርጀንቲና: ኣልጀርያ: በኒን: ቡርኪናፋሶ: ካሜሮን: ኣይቨሪኮስት: ኤኳዶር: ግብጺ: ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ጃፓን: ሞሪሽየስ: ሞሮኮ: ፖርቱጋል: ርዋንዳ: ቱኒዝያ: ሕቡራት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝወከላ ጋንታታት ይሳተፋ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዙር የረጋግጽ።
ኣብ ዙር ተስፋ ካሜሩን ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ (ሓላባይ) ትእለ ምህላዋ ብተወሳኺ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።