ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽየን ተዓዋቲ ቱር ሩዋንዳ 2022 ኮይኑ


ተዓዋቲ ቱር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽየን
ተዓዋቲ ቱር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽየን

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጂካቶኒ ናትናኤል ተስፋጽየን ኣብቲ ትማሊ ዝተዛዘመ ቱር ሩዋንዳ 2022 ብሓፈሻዊ ጊዜ ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ'ሎ።

ኣብ ሻድሻይን ሻውዓይን መድረኽ'ቲ ውድድር ብዘመዝገቦ ዓወት ወናኒ ቢጫ ማልያ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽየን ነቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ 75.3 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ሻሙናይን መዛዘሚን መድረኽ 10ይ ኮይኑ ብምዝዛም ብውህሉል ጊዜ ቐዳማይ : ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ'ቲ ዙር: ከምኡ'ውን ዝበለጸ መንእሰይ ተወዳዳይ ብምዃን ተዓዊቱ'ሎ።

ናትናኤል ተስፋጽየን ኣቐዲሙ ኣብ 2020'ውን ተዓዋቲ ቱር ሩዋንዳ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ባይክ ኤድ ሄኖክ ሙሉብርሃን'ውን ብውህሉል ጊዜን ኣብ ዝበለጸ መንእሰይ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ'ቲ ዙር ካልኣይ ብምዃን ዙር ሩዋንዳ 2022 ዛዚሙ'ሎ።

ኣብቲ ካብ የካቲት 20 ክሳብ 27 ዝተኻየደ ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ቱር ሩዋንዳ 2022 ዝተሳተፉ ኣብ ዝተፈላለየ ጋንታታት ዝስለፉ ኤርትራዊያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽየን: ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል ኢዮብን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን' ቲ ውድድር ልዑል ዓወት ኣመዝጊቦም'ዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቱር ሩዋንዳ 2022 ኣይተሳተፈትን ።

ምስ ናትናኤል ተስፋጽየን፥ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል ኢዮብን ቕድሚ ምዝዛም'ቲ ውድድር ሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ቃል መሕትት ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ቱር ሩዋንዳ 2022 ብዓይኒ ኤርትራዊያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:26 0:00

XS
SM
MD
LG