ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2021 ኮይኑ ተረቚሑ


ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ኣብ ለቨን-ቤልጁም ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ዘመዝገቦ ዓወት ንካልኣይ ጊዜ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተረቚሑ።

ቢንያም እቲ ቤልጁም ዝረኸቦ ብሩር መዳልያ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ዓለምለኸ ሻምፕዮን ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ፈለማ ዓመተ 201 ምስ ጋንታ ደልኮ ተሰሊፉ ይወዳደር ዝነበረ ኮይኑ ድሒሩ ግን ንናይ ቤልጁም ጋንታ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ሜርቱ ተጸንቢሩ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ ዝወሃብ ሽልማት ብወደብቲ ቱር ሩዋንዳ ዝወሃብ ኮይኑ ቢንያም ግርማይ ነዚ ሽልማት ንካልኣይ ጊዜ ዝተዓወተ ካልኣይ ተቐዳዳማይ'ዩ።

ቢንያም ነዚ ሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተረቝሐ ሓሙሻይ ኤርትራዊ ተወዳዳይ'ዩ: ናትናኤል ብርሃነ (2012): መኽሰብ ደበሳይ (2014): ዳንኤል ተክለሃይማኖት (2015): ተስፎም ዑቕባማርያም (2016) ዝተረቑሑ ክኮኑ እንከለው ኣብቲ ናይ ዓመተ 2021 ዝተረቝሑ ዝበለጹ ተጻወቲ ንኢማራት ዓረብ ዝስለፍ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ራያን ጊቦስ ካልኣይ፡ ንኣስታና ዝስለፍ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ: ንኩቤካ ዝስለፍ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ራብዓይ ደረጃ ኮይኖም ተረቝሖም ኣለው።

ሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ብወደብቲ ዙር ሩዋንዳ ዝዳለው ኮይኑ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG