ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ዓወት ይጎናጸፍ


ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ 'ማሎክራ ቻለንጅ' ዝፍለጥ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ትሮፍዮ ኣልሱድያ ቐዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።
ናይ 2021 ዓለምለኸ ሻምፕዮን ትሕቲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ውድድር ንመወዳድርቲ ብገፊሕ ብምቕዳም ንጋንትኡ ፈላማይ ዓወት ዓመተ 2022 ምምዝጋቡ ጋንትኡ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢሩ'ሎ።

ቢንያም ነዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ብከምዚ ዝበለ ዓወት ምጅማሩን ናይ ዓለም ዓበይቲ ተወዳደርቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ቐዲሙ ብምዕዋቱ ዝተሰምዖ ሓጎስ ብምግላጽ ንኩሎም አባላት ጋንትኡ ምምስጋንኡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።
እቲ ውድድ ር 173.2 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ኤርትራዊ ቢንያም በርሀ ምስ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዋንቲ ጎበርት ተሰሊፉ ይወዳደር ።
XS
SM
MD
LG