ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ተዓዊቱ


Tour Gabon Stage 3
Tour Gabon Stage 3

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ 186 ኪ.ሜ ዝሸፍነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ተወዳዳራይ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ፕሮቨንስ ዝኾነ ኤርትራዊ ቢንያም ሃይሉ ውድድሩ ብ4 ሰዓት 16 ደቂቕን 28 ሰከንድን ብምዝዛም ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ’ሎ።

ፈረንሳዊ ጆርዳን ሌቫሶር ካልኣይ ፈረንሳዊ ማኑኤል ሞሪን ድማ ሳልሳይ ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለው።

ኤርትራዊያን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽየን ድማ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ደረጃ ብምርካብ ውድድሮም ዛዚሞም ኣለው።

ብሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽየን ቐዳማይ ፈረንሳዊ ጆርዳን ሌቫሶር ካልኣይ ፈረንሳዊ ኢማኑኤል ሞሪን ድማ ሳልሳይ ደረጃ ረኺቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG