ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዳግማይ ዓወት መድረኽ ተጎናጺፉ


ኣብ ዙር ሩዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ ኣባል ክለብ ኣስታና ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ዳግማይ ናይ መድረኽ ዓወት ሎሚ ተጎናጺፉ።

መርሃዊ ነዚ ዳግማይ ዓወት ዝተጎናጸፈ ካብ ሁየ ናብ ሩባቩ ዝተኻየደን 213.1 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሸፈነን ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ክኸውን እንከሎ: ካብ መቐዳድምቱ በንጢሱ መዛዘሚ መስመር ብምርጋጹ እዩ። ነቲ ውድድር ብ 5 ሰዓትን 21 ደቒቕን 15 ካልኢትን ዝዛዘሞ ክኸውን እንከሎ: ትማሊ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ድሕሪ ምዕዋቱ ብዝመለሳ ብጫ ናይ መራሒ ማልያ ዳግማይን ብተኸታታሊ ክዕወት ምኽኣሉ ፍሉይ ገይርዋ ይርከብ።

ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይረክት ኤነርጂ ረነ ታራማ ካልኣይ ከምኡውን ካብ ኣካዳሚ ብሽክለታ እስራኤል ማተዮ ባዲላቲ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ዝተሰርዐ ናይ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ተዓዊቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG