ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ተቐማጦ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ኬርላና ‘መዓልቲ ሰላም’ የኽብሩ


ብተበግሶ ኣብ ከተማ ራሊ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ኬርላና ብዝቕመጡ ውሑዳት ውልቀሰባት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ’ቲ ክፍለ ግዝኣት ኣብ ከተማ ራሊ ዝሓለፈ ሰሙን ጥቅምቲ 6, 2018ብምትእኽካብ ‘መዓልቲ ሰላም’ ኣኽቢሮም።

ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 21 ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም መሰረት ብምግባርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላም ድጋፍ ንምሃብን ንምድማቕን ብዝብል ኣብቲ ክፍለ ግዝኣት ዝነብሩ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ሕብረተሰብ ንዝያዳ ምልላይን ምትሕብባርን ነዚ ፍጻሜ ምትእንጋዶም ኣተሓባበርቲ ይገልጹ።

እዚ ፍጻሜ ካብ ከንቲባታትን ሰለስተ ከተማታት ራሊ፡ኤፔክስን ደርሃምን ኣፍልጦ ዝረከበ ኽከውን ከሎ ንጥቅምቲ 6 ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ወርሒ ጥቅምቲ ወርሒ ሰላም ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ክትዝከር ኣብ ብዝለአኽዎ ደብዳበ ኣፍሊጦም።

ምስ ካብ ኣርባዕተ ካብ ኣተሓባበርቲ ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG