ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

139 ኤርትራዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም


139 ኤርትራዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

139 ኤርትራዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም

ኢጣልያ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ብምቁራጽ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምፍጻም ኢጣልያ ምብጻሕ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝአትውሉ መንገዲ ብምድላው 139 ስደተኛታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ተቐቢላ’ላ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ዝኸዱ ኮይኖም 62 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ነብያት ገብረ እግዚኣብሄር ሓንቲ ካብቶም ስደተኛታት ኮይና “ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ተደጋጋሚ ፈተናታት አኻይደ’የ። ዳግማይ ብሊብያ አቢለ ኣውሮጳ ናብ ምብጻሕ ፈተነ አየካይድን። ሕጂ ንክሓስቦ ዘጸግመኒ ኣብ አካላተይን ኣእምሮይን በሰላ ዝገድፍ ፍጻሜታት አጋጢሞኒ እዮም።ስለዚ ዳግማይ ብሊብያ አቢለ አውሮጳ ንምብጻሕ ኣይፍትንን” ትብል።

ጠዓመ ሃይለበርሳ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ንኢጣልያ ዝመጸ ኮይኑ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ን10 ዓመታት ከምዝጸንሓ ይገልጽ።

“ካብ ሃገረይ ወጺኣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ቅድሚ 10 ዓመታት እየ መጺኣ። ካብቲ መዓስከር ክወጽእ ኮነ ካልእ ተስፋ ኣይነበረንን ስለዚ ምስጋነይ ንመንግስቲ ኢጣልያን ናይ ኢጣልያ ካቶሊክ ጉጅለታትን የብጽሕ” ኢሉ።

ካብ የካቲት 2016 ጀሚሩ ኣስታት 1,627 ስደተኛታት በዚ መንገዲ ኣብ ኢጣልያ ምጥያሶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG