ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ዶ/ር ኣልጋነሽ ትርከቦም ኢጣልያውያን መሓዙት፥ ስደተኛታት ተድሕን መርከብ ንምውናን ይጽዕሩ


ብሰንኪ ዋሕዲ መራኽብ ኣብማእከላይ ባሕሪን ዝሃልቁ ሰባት ብምብዝሖም ክንጻወሮ ኣይክኣልናን ዝብሉ ኢጣልያውያን መሓዙት፡ ንተወሳኺ ናይ ምድሓን ሓገዝ ናይ ባዕሎም መርከብ ንምግዛእን ኣብቲ ባሕሪ ንምንቅስቓስን ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ይገልጹ።

ንትካል ግብረ ሰናይ ጋንዲ ትመርሕ ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፥ እዞም ስደተኛታት ካብ ዓዶም ከይወጹ ኢና ንመክር፡ እንተወጺኦም ግን ኣብ ኢድ ነጋዶ እንተኣትዮምን ግን ኣብ ባሕሪ ካብ ዝሞቱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣለና ትብል።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ነቲ ፕሮጀክት ምግዛእ መርከብ ኣብ ምትብባዕ ተወሃሃድ ኣሊሻ ተስፋኣለም ብወገና፡ ኤርትራውያን ነዛ መርከብ ኣብ ምግዛእ እቲ ናይ ወትሩ ሰብኣውነትና ክነርኢ ኣለና ትብል።

ምስ ክሊቲኤን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG