ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገ/ስላሰ ኣብ ምርጫ ከንቲባ ቶሮንቶ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ


ኣብ ካናዳ ኣብ ምርጫ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ዝተወዳደረት ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሰ ካብ ሳላሳን ሓሙሽተን ሕጹያት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ዛዚማ።

እታ በዓልቲ ሞያ ሕጊን ተጣባቒት ሰብኣዊት መሰልን ዝኾነት መንእሰይ ሳሮን ገብረስላሰ ትማሊ ድሕሪቲ ውጽኢት ኣብ ኣዳራሽ ፐሮ ረስቶራንት ንደገፍታ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ምስጋና መደረ: ኣብ ሓጺር ጎስጓስ ከምዚ ዝበለ ውጽኢት ምርካባ ዘሐጎሳ ምዃኑ ብምጥቃስ: ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ብዝበለጸ ተዳልያ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ኮይና ክትዕወት ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ።

ወላዲኣ ኣቶ ገብረስላሰ ብወገኖም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ: ኣብ ካናዳ ከም ጽግዕተኛታት ኮይና መጺእና: ሳሮን ድማ ኣብዚ ሓጺር ዝተዳለወትሉ ውድድር ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ተሳቲፋ ራብዐይ ደረጃ ሒዛ ክትፍጽም ምብቅዓ ሓጎስ ኩሉ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ጎስጓሳ ዝተሳተፉ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣብ ምርጫ ካናዳዊት ከተማ ቶሮንቶ ከንቲባ ጆን ቶሪ ዳግማይ ተዓዊቱ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ምስ ሳሮን ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሴ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ንምኳን ትወዳደር
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:27 0:00

XS
SM
MD
LG