ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሴ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ንምዃን ትወዳደር


ሳሮን ገብረስላሴ
ሳሮን ገብረስላሴ

ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሴ 22 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ትወዳደር አላ። ኣብዚ ናይ 2018 ምርጫ 35 ተወዳደርቲ ቀሪቦም እንተነበሩ ኣብዚ ሕጂ ናይ መጨረሻ ዙር እቲ ውድድር ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ተሪፎም ኣለው። ሳሮን ድማ ሓንቲ ካብዞም ንናይ መጨረሻ ዙር’ቲ ውድድር ዝበጽሑ ተወዳደርቲ ንምዃን በቒዓ’ላ።

ጓል 31 ዓመት ሳሮን በዓልቲ ሞያ ሕጊ’ያ። ሳሮን ካብ ንእስነታ ጀሚራ ኣብ ዓሌታዊ ብዙሕነት ትነጥፍ ምንባራን ከም ውጽኢቱ ድማ ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ናይ ገዛእ ርእሳ መደበር ራድዮ ብምኽፋት ኣብ ማሕበረሰብ ዝረአዩ ጎነጽ ንምጥፋእ ብዘካየድቶ ኣበርኽቶ ንናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ተራኺባ ንምዝርራብ ዕድል ረኺባ ኔራ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦትዋ ድማ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ኣፍሪቃዊያንን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ንጥፈታት ክህልው ዝተቃለሰት መንእስይ ኔራ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሕጊ ትካል ብምምስራት ትሰርሕ አላ።

ነዚ ናይ 2018 ከንቲባ ቶሮንቶ ንምዃን ዝኻየድ ምርጫ ንክትሳተፍ ዝደረኻ እንታይ ምዃኑ ከምዚ ክትብል ትገልጽ።

“ ኣብ ቶሮንቶ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ብዝሒ ዘለዎም መንእሰያት ኣለው። እዞም መንእሰያት ንለውጢን ምስኡ ዝመጹ ዕድላት መሪሕነትን ክርእዩ ክኽእሉ ኣለዎም። ስለዚ ኣነ ኣብዚ ውድድር ክዕውት እየ ኢለ ይኣምን። እዚ ለውጢ ድማ ንከተማ ቶሮንቶ የድልያ’ዩ። ብተወሳኺ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ካናዳዊት ከንቲባ ቶሮንቶ ብምኳን ታሪኽ ክሰርሕ’ውን እደልይ እየ።”

ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሴ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ንምኳን ትወዳደር
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:27 0:00

ነበርቲ ከተማ ቶሮንቶ ለውጢ የድልዮም ኣሎ ኢልኺ ትኣምኒ እንተኾይንኺ ንስኺ ከንቲባ እታ ከተማ ኮንኪ እንተተመሪጽኪ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከተታኣታትዊ ኢኺ ንዝብል ስዒቡ ዝቐረበላ ሕቶ ሳሮን ናይ መጀመርያ ስጉምተይ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር እዩ።ብተወሳኺ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዓብይ ወፍሪ ናይ ምኽያድ ውጥን አለኒ። ተወሳኺ ዕድላት ኣብ ባህልን ስነጥበብ ምስፋሕ ክሰርሕ እየ። ኣብዚ ዓመት ኣብታ ከተማ ንዝተራእየ ልዑል ቁጽሪ ገበናት ድማ ክጎድል ክሰርሕ’የ ክትብል መደባታ ትገልጽ።

ኣብዚ ጥቅምቲ 22 ዝካየድ ምርጫ ከንቲባ ቶሮንቶ ካብ ዝወዳደሩ ዘለው ኣርባዕተ ሕጹያት ፍሉይ ድሕረ ባይታ ዘለዋ ሳሮን እያ። ከም ካብ ስደተኛ ስድራቤት ዝመጸት ምዃና ከም ጓል ኣንስተይቲን ካልእ ምስ መወዳደርታ ዝፈልያ ረቓሒታት ዝገጠመቶ ብድሆታት እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ሳሮን ከምዚ ትብል።

“ ብርግጽ ብጣዕሚ ብዙሕ ማሕለኻታት በቲኸ’የ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍን ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዙር’ቲ ውድድር ንምብጻሕን። ብዘይኻ’ቲ ኣፍሪቃዊትን ጓል ኣንስተይቲ ምኳነይ ብዕድመ ዝነኣስኹ ተወዳዳሪት’ውን እየ። ቶሮንቶ ድማ ንዝሓለፈ ኣስታት 100 ዓመታት ጸሊም ከንቲባ መሪጻ ኣይትፈልጥን። ስስለዝኾነ ድማ ብፍላይ እቶም ቀንዲ ዝበሃሉ መራኸቢ ብዙሃን ነዚ ክኣምንዎ የጸግሞም’ዩ። እዚ ዓብይ ብድሆ’ዩ።ኣብዚ ምብጻሓይ ክኣምንዎ ዝጸገሙ ሰባት’ውን ኣለው። ስለዚ እቲ ዓብይ ብድሆ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት’ዩ። እንተኾነ እቲ ለውጢ ተዓዚቦም ኣተሓሳስብኦም ዝቐየሩ ብዙሓት ሰባት ኣለው። ኣብ መጨረሻ ዙር’ቲ ውድድር በጺሓ ኣለኹ። ኣብ ኣርባዕተ ክትዓት’ውን ተዓዊተ’የ። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነበርቲ ቶሮንቶ ጥራይ ዘይኾነ ዓለም’ውን ነቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝተኣታተው ዘሎ ለውጢ ትኹረት ክህቦ ኣለዎ።”

ሳሮን ኣብ 2014 ዝመስረተቶ ናይ ሕጊ አማኻሪ ትካል ኣብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ትሑት አታዊ ዘለዎም ነበርቲ’ቲ ከባቢ ዝነብርሉ ከባቢ’ዩ። ንሳ ነዚ ትካል ክትምስርት ከላ ካብ ትሰርሓሉ ዝነበረት ዓብይ ትካል ብምውጻእ እዩ። ኣብዚ ትካላ ዝወሃብ ኣገልግሎት’ውን ዘይከም’ቲ ዝርከበሉ ከባቢ ብዙሓት ዋግኡ ዝኽእልዎ ኣይኾነን እንተኾነ ብዙሕ ጉዳያት በነጻ ኣገልግሎት ከምትህብ ትገልጽ። ንትካላ ኣብቲ ቦታ ምምስራታ ብምክንያት ድዩ ንዝብል ሕቶ እወ ብርግጽ ንፖለቲካዊ ምክንያት እየ ንትካለይ ኣብዚ ቦታ መስሪተዮ ትብል።

“ ናይ ሕጊ ሞያይ ኣብቲ ዓበይቲ ዝበሃል ናይታ ከተማ ትካላት’የ ጀሚረዮ እንተኾነ ናብቲ ዝዓበኽሉ ከባቢ ዝተመለስኽሉ ምክንያት ድሕረ ባይታኻ ብዘየገድስ ዓበይቲ ነገራት ክስራሕ ከምዝኸአል ንምርኣይ እዩ። ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ካብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ካብ ዘለዎ ቦታ መጺኦም ዕውታት ምስ ዝኾኑ በኸመይ ካብቲ ቦታ ይወጹ እምበር ተመሊሶም የገልግሉ ኣይሓስቡን እዮም። ኣነ ግን ከምዚ ዓይነት ውልቀሰባት’ውን ከምዘለው ብምርኣይ መልእኽቲ ንምሕላፍን እዩ ነዚ ውሳነ ወሲደ።”

ኣብ መወዳእታ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ’ውን ንመንእሰያት ተሕልፍዮ መልእኽቲ እንተሎ ዕድል ክህበኺ ምስ በልኽዎ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣሕሊፋ አላ።

“ብርግጽ ብዙሕ ብድሆታት ኣለውና ግን ኸአ ክንዕወትን ክንገጥሞን ይክኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ሓድነት የድልየና እዩ። ኣብ ሓደ ከተማ ወይ ዓዲ ዘለና ጥራይ ዘይኾነ ብዓለምለኸ ደረጃ ሓድነት የድልየና እዩ። ከምውጽኢቱ ድማ ሓደ ፍጻሜ ምስ ዘጋጥም ርኽብ እንተጸኒሑ ንምዕዋቱ ኣይንጽገምን ማለት እዩ። ሕጂ ድማ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ነበይንና ብድሆታትና ክንገጥሞ የብልናን። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ድማ ብዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ንዓና ዓብይ ፋጻሜ ዝሓዘ ዓመት’ዩ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG