ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮ. ኣስመረት ኣሰፋው ዳይረክተር ሳይንስ ኣመሪካ ኰይና


ሰነት ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ኣብ ፈደራላዊ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ክትከውን ኣጽዲቑ። ኣብ ሚያዝያ 2021 ነቲ መዝነት ብፕረዚደንት ባይደን ዝተረቝሐት ፕሮፈሰር ኣስመረት፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ድምጺ ሰነት 54-45 ድሕሪ ምቝጻሩ ነቲ መዝነት በቒዓ ኣላ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርኒያ መርሰድ መምህርን ተመራማሪት ኰይና ከተግልግል ዝጸንሐት ፕሮፈሰር ኣስመረት፡ ግዜያዊት ተሓባባሪት ዲን ናይ ኮለጅ ትምህርቲ’ውን’ያ ጸኒሓ። ኣስመረት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብስነ-ሓመድን ኣከባቢን ዝተመረቐት’ያ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG