ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ተገሊጹ


ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሶማልያን፡ ሎሚ ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳዮም ሰፊሕ ዘተ ምክያዶምን፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጽሖምን፡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጦም። ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ድማ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ`ታ ሃገር ብምጥቃስ ሎሚ ምሸት ኣፍሊጡ`ሎ።

እቶም ሚንስተራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ`ቲ መግለጺኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር ድልየትን ረብሓን ምምኽኻሮምን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀደም ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ንኽምለስ ከምዝተሰማምዑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ሚንስትራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብ ጅቡቲ ዝኸዱ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምርኻቦም`ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዛዕባ ናይ ቻይናን ኤርትራን ዑደቱ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ መግለጺ ዝሃበ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቶም ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ንዓቢይ ዕላማ ኣብ ጅቡቲ ከምዝተኣከቡ ተዛሪቡ፡- እቲ ኣጋጣሚ ዓቢይ ብስራትን ልምዓት ማዕጾ ዝኸፈተን`ዩ እውን ኢሎም።

“ መንግስቲ ኤርትራን ኽቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ጅቡትን ኢትዮጵያን ኸምኡ`ውን ሱዳን ውሽጣዊ ጸገማታ ፈቲሓ፡ እዚ ዞባ ሰፊሕ ናይ ልምዓት ዞባ ንክኸውን ልዑል ድልየት ስለዘለዎም፡ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ፡ ሎሚ ንጅቡቲ ተጓዒዙ`ሎ- እዚ ድማ ዓቢይ ብስራት፡ ዓቢይ ዜና፡ ንምሉኣት ህዝብታት ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘሐጉስ`ዩ። ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን`ውን ልክዕ ከም ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ተዛዚሙ እቲ ዞባ ካብ ኩናት ካብ ግጭት ካብ ቂም ናጻ ኾይኑ ናብ ልምዓት ዝሰጋገረሉ ሰፊሕ ማዕጾ ዝኸፈተ`ዩ።”

ብዝተሓሓዝ ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ተለቪዥን ኢትዮጵያ ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ`ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ` ጅቡቲ ዝርከብ ሚንስተር ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁ፡ እቲ ምሕዝነት፡ ሓደ ታሪኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት`ዩ ኢልዎ`ሎ።

ናይ ኤርትራ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዖማር ገለ፡ ንጻውዒት ሰላም ፕረዚደንት ኢሳያስ ከምዘመስገንን፡ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ንዕርቅን ንቡር ምሕዝነትን ድልውቲ ከምዘላን ምግላጹ ጠቒሱ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

XS
SM
MD
LG