ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዝተፈጥረ ምሕዝነት ሞጉሱ


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተገብረ ርክብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ተረኺቡ ንዘሎ ሰላምን ጸጥታን ተወሳኺ ስጉምቲ’ዩ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዝተገብረ ስምምዕ ዝርዝር ትሕዝትኡ ወግዓዊ ኮይኑ`ሎ።

ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ሰናይ ጎርብትናን ንምኽፋት ምስምምዖም ርኽብ ኤርትራን ጅቡቲን ንዝበለጸ ሰላም እቲ ዞባ ሓጋዚ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ነዚ ኣረጋጊጹ`ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡትን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም`ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ፡ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማንን ልዑል መሓመድ ቢል ሳልማን እቲ ርኽብ ክውን ንኸውንን ንዘካየድዎ ጻዕርታት ኣመስጊኖም ኣለዉ።

ብኻልእ ሸነኽ ፡ኣብቲ ኣቐዲሙ ብሰንበት ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቦም ዝነበሩ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኖም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ርኽብ ኤርትራን ጅቡቲን ንዝበለጸ ሰላም እቲ ዞባ ሓጋዚ`ዩ ኢሎም ኣለዉ።

ንሶም ብተወሳኺ “ እዚ ርክብ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ጸጥታን ተወሳኺ ስጉምቲ’ዩ” ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ርክብ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝነበረ ውጥረት መፍትሒ ዝህብ፡ ነቲ ዞባ ድማ ንዝበለጸ ሰላም፡ምርግጋእን ምዕባለን ዘስጉም ክከውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ።

ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሸውዓተ ዓንቀጽ ዝሓዘ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ`ዩ።

እቲ ስምምዕ ጅዳ ኩነተ ውግእ ምኽታሙ፡ሓዲሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምጅማሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ ጸጥታ፡ ምክልኻል፡ ንግድን ወፍሪን ካልእን ክተሓባበራ፡ ከምኡ`ውን ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ወፍሪ ከማዕብላ፡ ክልቲኣን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግብራ፡ ከምኡውን ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ኣንጻር-ግብረ ሽበራን ብሓባር ክሰርሓ ዝጽውዕ ኾይኑ፡ ነቲ ስምምዓት ዝከታተላ ኮሚቴታት ከምዘቑማ ዝሕብር`ዩ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዝተፈጥረ ምሕዝነት ሞጉሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00


XS
SM
MD
LG