ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣየርን ባሕርን ዝርከቦ ዝተፈላለዩ ርክባት ክጅምራ'የን


መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በረራታት መንገዲ ኣየር ፤ ኣገልግሎት ወደብ፥ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ህዝቢ ክጅምርን ኤምባሲታት ክኽፈቱን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዝገብር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነዚ ዘፍለጡ: ሰንበት ሾሞንተ ሓምለ ንኽብሪ'ቲ መሪሖሞ ዝመጸ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊት ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብቲ ኣጋጣሚ: ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጉዳይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘርኣዮ ቅሩብነት ተገዳስነትን ዘለዎ ኣኽብሮትን ድሕሪ ምግላጽ: “ኩነታት ሞት ኣልባ ኩናት ዛዚምና ናብቲ ክልቲኦም ህዝብታት ዝረብሑሉ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝጀመርካዮ ቅዱስ ዕላማ ሸትኡ ከምዝወቅዕ ኣይጠራጠርን” ክብሉ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣሞጊሶም።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ
ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ፕረዚደንት ኣብይ ብዘይካዚ: ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብዘጋጠመ ግጭት ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንዝሰንከሉ ኤርትራውያን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ንኤርትራውያን ስድራቤታት ዝገለጹ ክኾኑ ከለው: "ብድሕሪ ሕጂ ኲናት ኣይንዘክር፤ ብድሕሪ ሕጂ ዘለና ዓቕሚ: ናይ ልምዓት ዓቕሚ: ናይ ሰላም ዓቕሚ እናተላዘብና ብቑልጡፍ ሰሪሕና ንክልቲኦም ህዝብታት ክንክሕስን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋሩ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልኩም እፈቱ" ድማ ኢሎም።

ንፕረዚደንት ኢሰያስ “ወዲ ኣፎም” ንከተማ ኣስመራ ድማ “ኣስመራ ጻዕዳ" ኢሎም ንቀልቢ ዕዱም ዝሰሓቡ ፕረዚደንት ኣብይ: ብፍሉይ ንህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ መደረ: “ ህዝቢ ትግራይ: ህዝቢ ዓፋር: ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ንዓኹም ፍቕርን ኣኽብሮትን ከምዘለዎ፤ ምሳኹም ክሰርሕን ክዓብን ዝደሊ፤ ምሳኹም ሰናይ ጉርብትና ዝናፍቕ’ዩ” ምዃኑ ብምግላጽ “ኣጀንዳ ጽልኢ ዘየካይድ ምዃኑ ፈሊጥኩም ንሓው ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓፋርን ልክዕ ሎሚ ከምዝሃብኩምና ፍቕሪ ልብኹም ከፊትኩም ርክባትኩም ክትጅምሩ” ዝብል ለበዋ ኣመሓላሊፎም።

“ዶክተር ኣብይ ዝወሰዶ ሕርያ ቀሊል ሕርያ ኣይኮነን” ኢሎም ንዕዱማት ዘዘኻኸሩ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኖም: እዚ ሕርያ’ዚ ን 25 ዓመት ዕድል ተፈጢሩ: ኩነታት ተቐይሩ: ናብ ዝሓሸ ዝዓበየ ምዕባለ ይኽየድ ኣሎ ኣብ ዝተባህለሉ: እቲ ዕድል በቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ከምዝተኾልፈ ኣስሚሮምሉ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ን25 ዓመታት ዝጠፍአ ግዜን ዝተኸስረ ዕድልን ብዝኾነ መንገዲ ክትልክዖውን ዝከኣል ከምዘይኮነ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሰያስ: “ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን። ኣይጠፍኣናን። ንብረትና ብሙሉኡ መሊስናዮ” ኢና ድማ ኢሎም።

ንውዕውዕ ኣቀባብላ ህዝቢ ኣመልኪቶም ፕረዚደንት ኢሰያስ ንዕዱማት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል: ናይ ልቡ ስምዒት ብፍኑው መንገዲ መቆጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ መግለጺ ተርእዮ ምዃኑ ጠቒሶም “ እንቃዕ ሓጎሰና: ንኹሎም ኣብዚ ዘለው ኣጋይሽ ምሳና ድማ እንቃዕ ሓጎሰኩም: እንቃዕ እዚ ርኣኹም - ናይ ብሓቂ ስምዒት ናይዚ ሃገር እንታይ ምኻኑ ርኢኹም ኣለኹም“ ድማ ኢሎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተፈላለዩ ባህላውን ዘመናውን ደርፍታትን ሳዕስዒታትን ዝቐረቡ ክኾኑ እንከለው: ነቲ መድረኽ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ገጾም ሓጎስን ፍሽኽታን ይንበብ ነይሩ።

እቲ ናይ ድራር እንግዶት ብቐጥታ ብመገዲ ተለቪዥን ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ: ተለቪዥን ኢትዮጵያውን ነቲ ፈነወ ብቐጥታ የመሓላልፎ ምንባሩ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG