ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ሱዳንን ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም


ኣብ መዛዘሚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም።

እቲ መግለጺ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝህልው ኣብ ወታሃደራዊ፡ቁጠባ፡ጸጥታ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ባህላዊን ከምኡ’ውን ዞባዊ ጉዳያት ዝምድናን ምትሕግጋዝን ይሕብር።

ብተወሳኺ ነዚ ስምምዕ ኣብ ምትግባሩ ዝነጥፍ ካብ ክልቲኣን ወገናት ዝተዋጽኣ ሓባራዊ ሽማግለ ምቛሙ ተገሊጹ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካርቱምን ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ከምዝተዘራረበ’ውን ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ካብ ሱዳን ዑደቶም ምምላሶም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክብሉ ምንጭታት ጠቂሱ ናይ ኣስመራ ሪፖርተር ዘቕረቦ ሪፖርት ትማሊ ምጽብጻብና ይዝከር።ብዛዕባ’ቲ ዑደት ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘይነበረ’ውን ሓቢርና ኔርና።

እንተኽዕነ ሪፖርተርና ካብ ኣስመራ ብዘካየዶ ምጽራይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይከዱ አረጋጊጹ’ሎ።

ንዝቐረበ ጸብጻብ ይቅሬታ ንሓትት።

XS
SM
MD
LG