ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ክኽፈት'ዩ


ኣፈኛ ፈደራላዊት ሪፖብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓምለ 15 ከምዝኽፈት ሓቢሩ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝሓበረ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ካብ 1998 ተዓጽዩ ዝጸንሐን ኤምባሲ ኤርትራ ምስ መገሻ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዳግም ከምዝኽፈትን እዩ ተሓቢሩ።

ንናይ ትዊተር መልእኽቲ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ክልቲኤን ሃገራት ታሪኻዊ ሽርክነተን ብምሕዳስ ኣብ ጎደና ብልጽግናን ምርግጋእን ተኣሳሲረን ይስጉማ ምህላወን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ቀዳም ኣትሒዙ ዑደት ዝገብር ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ: ኣብ ሃዋሳ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ከምዝበጽሕውን ንሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ፋና ብምጥቃስ ሮይተርስ ብተወሳኺ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG