ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ


ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮምያ፣ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንደቂ አንስትዮን ቆልዑን ሓዊሱ ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ቅትለት ከምዘሰምበዶ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ገሊጹ።

መብዛሕተኦም ግዳያት ዒላማ ቅትለት ዝኾኑ ብምኽንያት መንነቶም ምኻኑ ምሒር ዘስግእ ከምዝኾነ’ውን እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ግልጽን ሙሉእን መርመራ ንክገብረሉ ዝጸወዐ እቲ ኤምባሲ፣ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንክቀርቡ፣ ኣብ’ቲ ከባቢን ኣብ ካልእን ንዝነብሩ ሰላማዊያን ሰባት ግቡእ ሓለዋ ንክገብረሎም’ውን ሓቲቱ።

ብሰንኪ ቅትለት እቶም ሰላማዊያን ሰባት ዝተሰመዐና ሓዘን ምስ ኢትዮጵያዊያንን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን እናገለጽና፣ ንስድራቤት ዝተቀትሉ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቆሰሉ ምሉእ ምሕዋይ ንክረኽቡ፣ ኣብ እዋን ሓዘን፣ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ናብ ሓደ ክመጹን ንሰላም ክጽዕሩን ንህውከት ክነጽጉን ኣተባቢዑ ኣሎ።

ብዝተታሓሓዘ ዜና፣ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቀሎ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ኩሎም ወገናት ከምኡውን ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን፣ ንውጥረት ኣብ ምህዳእ ክሰርሓ፣ ተባራዒ መግለጺታት ከውግዳ፣ ካብ ተኹታኺ ወታሃደራዊ ምውፋራት ንክቁጠባ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ምስ ዘይግበር ግና፣ ንኢትዮጵያ ክሕምሳን ኣብ ሙሉእ እቲ ዞባ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎን ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢሩ ኣሎ።

ልዕሊ ኩሉ ግና፣ ንኩሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ልዝብን ሃገራዊ ምስምማዕን ከምዘድሊ ዝጠቀሰ ሕብረት ኣውሮጳ፣ እዚ ኣገባብ’ዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሲን ምዕባለን ከምዘሳግራ ጠቂሱ። ምጭፍላቅን ሓይሊ ንምጥቃም ምፍርራሕን ግና ኣማራጺ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፣ ንለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝድግፍ፣ እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ክዕወት እንተኾይኑ ግና፣ ልዕልና ሕጊ ምስ ዝረጋገጽን፣ ሎም ዘበን ነጻን ርትዓዊን ተኣማኒን መረጻ ምስ ዝሳለጥን ጥራሕ እዩ ኢሉ ኣሎ።

11-03-20

U.S. - Ethiopia

B.S.

Recommended

XS
SM
MD
LG