ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ቀልጢፎም ክወጹ ዝጽውዕ መልእኽቱ ዳግም የሐድስ


ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኵነታት ጸጥታ ኢትዮጵያ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታቱ ብቕልጡፍ ክወጹ ዘዘኻኽር መልእኽቱ ሎሚ`ውን ኣሓዲስዎ`ሎ።

እቲ ኤምባሲ ዳግም ዝተሓደሰ ህዝባዊ መልእኽቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ዝኣወጀ፡ ኣብታ ሃገር ዘንቈልቍል ዘሎ ስእነት ጸጥታ ብምርዳእ ብምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዜጋታቱ ህዝባውያን በረራት ኣብ ዘለዋሉ እዋን ብዘይ ወዓል ሕደር ካብታ ሃገር ክወጹ ይሕብር። እቲ ኤምባሲ፡ ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ጸገም ትኬት ነፋሪት ንምዕዳግ ዝጽገሙ ዜጋታት ምስ ዝህሉ’ውን ልቓሕ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ `ዩ።

XS
SM
MD
LG