ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ንመግለጺ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ይቃወም


ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ “ገለ ሓያላን ሃገራት ንመሬታዊ ሓድነትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ብምጥሓስ” ኣንጻር ዓለማዊ መትከላት ዝኸይድ ምጕዕጻጽ የካይዳ’የን ክብል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ'ሉ። ሚኒስተር የማነ ኣብ መልእኽቱ፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝተላዕለ እገዳ’ውን ካብ ተመሳሳሊ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ሓንቲ ሃገር ዝጥሕስ’ዩ ክብል ገሊጹ። ብወገን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ወግዓዊ ፈይስቡክ ገጽ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ብኸምቲ ሚኒስተር የማነ ዝገለጾ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሓያሎ ዓለምለኸ ትካላት ዝተረጋገጸ ጥሕሰት፡ መግሃስታት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ብምፍጻሙ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቲ ምላሽ ወሲኹ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽን ንቐጻሊን ክወጹ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ህላወ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንሰለማዊ ዘተን ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ይዕንቅፍ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብወገን ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ ንዝወሃብ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ምላሽ ክህበሉ ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG