ኣዲስ ኣበባ —
ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ: ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ኣብ ጎኒ ሩስያ ኮይኖም ኣብ ዩክሬን ንክዋግኡ ይምልመሉ ኣለው ንዝብል ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ነጺግዎ።
ወሃቢ ቃል’ቲ ኤምባሲ ማርያ ቸርኑኪና ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምልመላ የለን፣ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኣየ ሰልፊ፣ ንኣዋርሕ ዝቀጸለን ዜጋታት’ዛ ሃገር ምስ ሩስያ ዘለዎም ምሕዝነት ዝገለጽሉን እዩ" ኢላ።
ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃበ ሓደ መንእሰይ ብወገኑ "ኣብ ሰራዊት ንክኽተብ ናብ’ቲ ኤምባሲ ከምዝመጸ" ጠቂሱ። "ኢትዮጵያዊያን ይምልመሉ ኣለው ዝብል ወረ ስለዝሰማዕኩ፣ ሰለስተ መዓልታት ኣከታቲለ ናብ’ዚ ኤምባሲ መጺኤ ኣለኹ" ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።
ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ወሲኹ ቁጽሪ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝእከቡ ሰባት ኣብዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ምውሳኹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ ይገልጽ።