ኤሊ-ሊሊ ዝተባህለ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኩባንያ መድሃኒት፥ካብ ስኽፍታ ድሕነት ዝተላዕለ ብዝብል ንሕክምና ኮቪድ-19 ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነታት ጠጠው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ- ።
ኤሊ-ሊሊ ነቲ ፈተነ ንግዚኡ ጠጠው ዘበሎ፥ ናጻ ተቖጻጸርቲ ጥንቃቐ ክግበር ካብ ዝሃብዎ ምኽሪ`ዩ ኢሉ-ዝርዝር ግን ኣይሃበን።
እቲ ኤሊ-ሊሊ ዘፍርዮ መድሃኒት፥ ምስቲ ንፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ሓመመ ዝተዋህቦ ዓይነት መድሃኒት ተመሳሳሊ`ዩ።
Johnson & Johnson ዝተባህለ ካልእ ናይ ኣሜሪካ መፍረይ መድሃኒት `ውን ሓደ ዝተዋህበ ሰብ ሓሚሙኒ ብዝብል እቲ ናይ መወዳእታ ፈተንኡ ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ`ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኮሚኒታዊ ሕውየት ዝብል ንጥዑያትን ብዕድመ ንእስ ንዝበሉን ሰባት እቲ ቫይረስ ብምቅላዕ፥ ኣብ ሰውነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብቲ ኮሚኒቲ ምምዕባል ይክኣል`ዩ ዝብል ሓሳብ፥ ምምሕዳር ትራምፕ ይቕበሎ ከምዘሎ- ጋዜጣታት ዋሺንግተን ታይምስን ነው ዮርክ ታይምስን ጸብጺበን ኣለዋ። ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፥ኣብ ሰውነት ዓቕሚ ምክልኻል ዝመጽእ ብክታበት`ምበር ነቲ ቫይረስ ብምቅላዕ ኣይኮነን ክብል ተቓዊምዎ`ሎ።