ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍጋናውያን ደቀንስትዮ ተቓውሞአን የስምዓ


ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢራን ብዝለሓመ ዓቢ ተቓውሞ ደቀንስትዮ፡ ኣፍጋናውያን’ውን ብሰንኪ ዝወርደን ዘሎ መጥቃዕቲ ተቓውሞአን የስምዓ ኣለዋ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ካቡል፡ ብቐንዱ ንተመሃሮ ደቀንስትዮ ዝሃሰየ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ድሕሪ ምግጣሙ’ዩ።

እተን ኣብ ጎደናታት ኣፍጋኒስታን ወጺአን ተቓውሞአን ዘስምዓ ዘለዋ ደቀንስትዮ ውሕስነት ጸጥታን መሰል ንትምህርቲን ይሓትታ። እዚ ሰላማዊ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ካቡል 50 ዜጋታት ዝወሰደ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጕናፉ’ዩ። ግዳያት ናይቲ ሓደጋ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ተመሃሮ’የን።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ከተማ ካቡል ዘጓነፈ መጥቃዕቲ፡ እቶም ኣኽረርቲ ጕጅለ ሃዛራ ዝርከቡሉ ስፍራ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ጸኒሖም።

ሰልፈኛታት፡ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝግበኦም ፍትሒ ንምርካብ ይጽዕራ ከም ዘለዋ ይሕብራ። ኣብ መንጎ እቲ ካልእ ጠለብ ድማ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደቀንስትዮ ንምኽፋት’ዩ።

ንድሕነታ መንነታ ክዕቀበላ ዝሓተት ተሰላፊት ንጠለበን ኣመልኪታ ክትዛረብ እንከላ፤“ንዝዀነ ፖለቲካዊ ጸግዒ ንድግፍ የሎናን። ኣንጻር ዝዀነ ፖለቲካዊ ወገን’ውን ኣይኰናን ንቃወም ዘሎና። ጠለብና ጸጥታን መሰል ትምህርቲን’ዩ። ኣብ ሃዛራ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ደው ክብልን እቲ ተዓጽዩ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደቀንስትዮ ክኽፈትን ንሓትት።”

ኣፍጋናውያን ደቀንስትዮ፡ ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣንጻር ወጽዓ ተቓውሞአን ከስምዓ ሕጂ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን። እንተዀነ ሓንቲ ጓል 36 ዓመት ተሰላፊት እቲ ተቓውሞ ብዘይደገፍ ስድራ ከምዝካየድ ከምዚ ክትብል ትሕብር።

“እተን ተቓውሞ ዝገብራ ደቀንስትዮ ናይ ስድራቤተን ደገፍ የብለንን። ክንቃውም እንከሎና፡ ዋላ ናይ ቀረባ ስድራና’ውን ኣብ ጎድንና ደው ኣይብሉን’ዮም። ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቀንስትዮ ንደገ ወጺአን፡ ንመሰላን ክቃወማ፡ ከም ኣዝዩ ዘሕፍር ነገር’ዩ ዝርአ።”

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ፡ ኣብ ኢራን ዝተራእየ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ’ዩ። እንተዀነ እቲ ፍልልይ ናይ ኣፍጋኒስታን ኣብ ውሱናት ከተማታት ጥራይ ምሕጻሩ’ዩ።

ኢራናዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላትን ሶርያ ለኒ እቲ ምኽንያት ደቀንስትዮ ኢራን ሰፊሕ ዓለማዊ ደገፍ ስለ ዘለወን ምዃኑ ትዛረብ። ከም ኣገላልጻ እታ ጋዜጠኛ ኣብ ኢራን ደቂ-ተባዕትዮ’ውን ምስ ኣሕዋቶም ሓቢሮም ክቃውሙ ልሙድ ምዃኑ ትገልጽ።

እንተዀነ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ተመሳስልነት ኣሎ።

ካብ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ዝዀነ ሄዘር ባር ብዛዕባ’ዚ ክትዛረብ እንከላ፤“ሓደ ካብቲ ኣብ ክልተ ሃገራት ዘሎ ተቓውሞታት ዝኣስር ነጥቢ በተን ደቀንስትዮ ዝርአ ዘሎ ትብዓት’ዩ። ኣንጻር’ቲ ዝርአ ዘሎ ወጽዓ ድምጸን ንምስማዕ ክሳብ ናይ ሞት ሳዕቤን’ውን ከጓንፈን እናኸኣለ’የን ብትብዓት ተቓውሞ ዘርእያ ዘለዋ።”

ሄዘር በር ከም እትገልጾ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከቡ ዓመጽቲ ስርዓታት ኵልትናዊ ጎንጺ ተጠቒሞም ነተን ደቀንስትዮ ንምብርካኽ ይጽዕሩ ኣለዉ። እተን ደቀንስትዮ ከኣ ኣንጻር’ዚ’የን በሪኸን ድምጸን የስምዓ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG