ኩነታት ኣፍጋኒስታን እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን በቲ ዝወሰዱዎ ወታሃደራቶም ናይ ምውጻእ ስጉምቲ ከም ዘይተጣዕሱ ገሊጾም። እቶም ፕረዚደንት ብሰኑይ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣፍጋናውያን ባዕሎም ነብሶም ክከላኸሉ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ብወገን ጣሊባን ኣንጻር ዜጋታት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጸም ግን ዓጸፌታ ክምልሱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ናይ ኣመሪካ ስግር-ባሕሪ ዝነውሕ ኲናት፡ ብምቍጽጻር ሓይልታት ጣሊባን ንኸተማ ካቡልን ህጹጽ ምውጻእ ዜጋታት ኣመሪካን ካልኦት ይዛዘም ኣሎ። እቲ ክውንነት እዚ እናሃለወ ግን ፕረዚደንት ባይደን በቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ መርገጺኦም ኣይቀየሩን።
“ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ዝተፈጸመ ኵነታት ካብቲ ዝገመትናዮ ንላዕሊ’ዩ ቀልጢፉ ኰይኑ። ግን እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ ኢልና ክንሓትት ጽቡቕ’ዩ። ኣፍጋናውያን መራሕቲ ካብታ ሃገር ሃዲሞም ወጺኦም። ሓይልታት ምክልኻል ኣፍጋኒስታን ብቕጽበት፡ ኣብ ገሊኡ ፈጺሙ’ውን ከይተዋግአ፡ ኢዱ ሂቡ። ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእዩ ምዕባለታት ከኣ ነቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ናይ ምውጻእ ስጉምታት ዘራጉዱ’ዮም። ኣፍጋናውያን ባዕላቶም ክቃለሱዎን ህይወቶም ክኸፍልሉን ኣብ ዘይደልዩ ኲናት፡ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ዝሞቱሉ ምኽንያት የለን።”
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ዝነበረ ክግምቱዎ ዘይምኽኣሎም ግን፡ ካብ ኣንጻር ሰልፊ ረፓብሊካንን ገለ ኣባላት ደሞክራትን፡ ካብ ነቕፌታ ኣየድሓኖምን።
ቅልጣፈ ሓይሊ ምቍጽጻር ጣሊባንን ዝሰዓበ ሕንፍሽፍሽን ንስም ኣመሪካ ዝብልልን እምነት ዘጥፍእን ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።
ኣሮን ዳቪድ ሚለር፡ ካብ ትካል ካርነጂ ንሰላም፡ እቲ ፍጻመ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተኣሳሲሩ ዝተረፍ ነባሪ በሰላ ምዃኑ ይጠቅስ። “እዚ ክብል ከለኹ ግን ሕማቕ መራሒ’ዩ ማለተይ ኣይኰነን” ዝበለ ሚለር፡ ወሲኹ ውዒሉ ሓዲሩ ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ህዝቢ ክቕበሎን ቅኑዕ ውሳነ ምዃኑ ክኣምነሉን ምዃኑ ይሕብር ።
ጣሊባን ንምምሕዳር ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ ግን ገና ኣብታ ሃገር ቍጠባዊ ምትእስሳር ወይ ድማ ንኻልእ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝምልከት ስራሓት ክህሉዋ’ዩ።
ማይክል ኦሃንላን ካብ ትካል ብሩኪንግስ “ሕጂ ዘሎና ኣመራጺ ጣሊባን ምስ ግብረ-ሽበራውያን ውድባት ከምእኒ ኣልቓዒዳ ወይ ኣይኢሲስ ምትእስሳር እንተቐጺሎም ወይ ድማ እቲ እከይ ተግባራቶም ክደግሙዎ ምስ ዝጅምሩን ሕነ ምስ ዝፈድዩን ኣመሪካ ኣማራጺ ከም ዘለዋ ክፈልጡ ኣለዎም። ንበደሎም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከነኽፍሎም ምዃንና ክዝክሩ ጽቡቕ’ዩ።”
ሰኑይ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብ ካቡል ኤምባሲ ብወግዒ ከም ዝዓጸወን ዝተረፈ ኣባል ከም ዘየሎን ኣፍሊጡ። ክፍሊ ምክልኻላ ኣመሪካ (ፐንታጎን) ድማ ንምግዓዝ ዜጋታት ኣመሪካን መሻርኽቶምን ዘውሕሱ ኣስታት 2,500 ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።
እቲ ኩነታት ከመይ ከም ዝውድእ ኣብ ዘይፍለጠሉን ብትሪሊዮናት ዶላር ዝቑጸር ዘጥፍአ ወፍሪን ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣመሪካ ተዓዋቲት ኰይና ዘይምውጻኣ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን “ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ጌጋ ኣይክደግምን’የ። ንረብሓ ኣመሪካ ዘየውሕስን መወዳእታ ዘይብሉን ወፍሪ ሰራዊት ኣመሪካ ክልእኽ ኣይኰንኩን። ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝህሉ ኲናት ሓድሕድ ኢድና ከይነእቱን ኣመሪካ ኣብ ዘይዓርፍ ኲናት ሰራዊት ከይትልእኽን ትምህርቲ’ዩ”ኢሎም ።
ካብ 2001 ኣትሒዞም፡ ኣርባዕተ ፕረዚደንታት ኣመሪካ፡ ንጽልዋ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ክበትኩ ጽዒሮም ኣይከኣሉን። ፕረዚደንት ባይደን ከኣ ነቲ ዝነውሐ እዋን ዝወስደ ወፍሪ ስግረ-ዶብ ናብ ዝቕጽል መራሒ ሃገር ከም ዘየሕልፉዎ ተዛሪቦም።