ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣፍሪቃ ስትራተጂያዊት መሻርኽቲ ኣመሪካ’ያ” ብሊንከን


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመርካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመርካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ንሰለስት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓምም ዑደት ንምክያድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመርካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዮም ኣለዉ። ብሊንከን ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዑደቶም ኣብታ መበቆል ነልሰን ማንዴል ዝዀነት ሰዌቶ በጺሖምን ሎሚ ሰኑይ ድማ ርክቦም ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር ቀጺሎምን።

ዑደት ብሊንከን ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቘፈ’ዩ። ከም መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቶም በዓል ስልጣን ናብዘን ሃገራት ዑድት ዘካዪዱሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ኣመሪካ ሓያሎ ናይ ንግዲን ካልእ ወሰንቲ ጽምዶን ኣብዘን ሃገራት ስለ ዘለዋ’ዩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ቀዳማይ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መደቦም ናብቲ ብስም ብሄክቶር ፔተርሶን ዝጽዋዕ ናይ ሰዌቶ ቤተ-መዘከር’ዩ ነይሩ። ወዲ-12 ዓመት ሄክቶር ኣብቲ ናይ 1976 ዕግርግር ሰዌቶ ብሓይልታት ኣፓርታይድ ዝተቐትለ ጸሊም’ዩ። እቲ ሰልፊ ኣንጻር ምልኪ ውሑዳን ጸዓዱ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ እዋኑ፡ ስእሊ ቅትለት ሄክቶር ብዙሕ ኣዛሪቡን ንግፍዒ ስርዓት ኣፓርታይ ኣርእዩን።

ነቲ ቤተ-መዝከር ድሕሪ ምዕዛብ ብሊንከን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤“ዛንታ ሄክቶር ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ታሪኽ ዝመሳሰልን ንሓያሎ ፍጻመታት ቃልሲ ጸለምቲ ንማዕርነት ዘዘኻኽርን’ዩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ብብዙሕ መልክዓቱ ዘደንጹ ፍሉይ ዛንታ ኣለዋ። ሓደ ብዛዕባ’ዚ ቤተ-መዘከር ዘተባብዕ ዛንታ ድማ ንኣሽቱ ብዛዕባ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ለውጢ ዘርኢ ምዃኑ’ዩ”ኢሎም።

ሎሚ ሰኑይ ብሊንከን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር ኣብ በበይኑ ዛዕባታት ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዶም።

ዑደት እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብቐንዱ ንድምጾ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝምልከት ኰይኑ ኣብ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ጸጥታን መዳያት ጥዕናን ዝሓቘፈ ዝርርብ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ፈጺሞም።

ኣብ ዑደት ብሊንከን ሓደ ካብቶም ላዕለዎት መዘራረብቲ ዛዕባታት ምስ ወራር ዩክሬንን ምምዝባል ቀረባት እኽሊን’ውን ዝምልከት’ዩ።

ነቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተፈጢሩ ዘሎ ምምዝባዕ ቀረባትን ቅልውላው መግቢን ንምድጋፍ፡ ኣመሪካ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝውዕል ናይ ክልተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዓ ኣላ። እዚ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ አመርካን መሻርኽቲ መንግስታዊ ኣካላትን ተቐሪቡ ዘሎ ሓገዝ ንረፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ማሊ፡ ሞዛምቢክ፡ ናይጀሪያ፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝውዕል’ዩ።

ብሊንከን ድሕሪ ዑደት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኣፍሪቃ ይፍጸም ብምህላዉ፡ ተዓዘብቲ ነቲ ኣህጉር ብኽልተ ተቓርንቲ ወገናት ንምኽሳባ ዝግበር ዘሎ ሃቐነ ክብሉ ይገልጹዎ ኣለዉ። እዚ ምናልባት ናብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ወገናት ምኽሳብ ከም ዘዘኻኽር ድማ እቶም ተዓዘብቲ ይምጕቱ። ብሊከን ኣብ ዑደቶም ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፡ ዕላማኦም ፖለቲካዊ ጽልዋ ንምፍጣር ዘይኰነስ፡ እታ ኣህጉር ምስ ኣመሪካ ዘተኣሳስር ስትራተጃዊ ረብሓታት ከም ዘለዋ ብምዝኽኻር፡ ንዕኡ ንምትርናዕ’ዩ ክብሉ ገሊጾም። ብሊንከን ወሲኾም፡ ድሕሪ ውሑዳት ዓመታት ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትሕቲ 25 ዓመቱ ከም ዝኸውን መጠን እታ ዝነኣሰትን ብሩህ መጻኢ ዘለዋን ኣህጉር ከም ዝገብራ ኣመልኪቶም። ወሲኾም እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኪንዮ ህሉዊ ፖለቲካዊ ኣቃውማታት፡ ሓያሎ ዘተኣስስሩ ነባሪ ጉዳያት ከም ምህላዎም መጠን ዕላማ ዑደቶም ብዕኡ ንምሕያል ምዃኑ መሊሶም።

XS
SM
MD
LG