ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃዊያን ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ብስንባደ ይከታተልዎ ከምዘለው ተሓቢሩ


ኣፍሪቃዊያን ነቲ ኣብ ህንዲ አጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ብስንባደ ይከታተልዎ ከምዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ ዓውዲ ጥዕና’ታ ኣህጉር ገሊጾም።

ዳይረክተር ማእከል ምቁጽጻርን ክትትልን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኬንጋሶንግ ምስ ህንዲ ማዕረ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ዘለዋ ተአፋፊ ኣገልግሎት ጥዕና ተመሳሳሊ ብድሆ ከጓንፋ ስለዝኽእል "ኣዝያ ክትዳሎ ይግባእ" ኢሎም ።

እቶም ዳይረክተር "ኣብ ህንዲ አጋጢሙ ዘሎ ጸገም ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን፣ ዝኣክል ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝኣክል ኦክስጅንን" የብልናን ይብሉ ።

ኣፍሪቃ ብበዝሒ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ካብ ህንዲ’ያ ትረክብ። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዛጊት 17 ሚልዮን ሰባት ጥራሕ እዮም ክታበት ረኺቦም ዘለው። ኣፍሪቃ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ኣለዋ ።

XS
SM
MD
LG