ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣሰልጠንቲ ፉትቦል ብዝብል ዝጽዋዕ ኣብ ኣመሪካ ኣዚዩ ውሩይ ዝኾነ ስፖርት ዘሎ መስርሕ ምቁጻር ኣብ ሃገራዊ ሊግ ከምኡ'ውን ንዝረአ ሕፅረት ብዝምልከት ቅሬትኦም የስምዑ።
ነባር ኣሰልጣኒ ሃገራዊ ፉትቦል ሊግ (NFL) ኣንቶኒ ሊን ጋንታታት ነቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ወይ ስራሕ ዝመርሕ ካብ ውሑዳት(Minority) ሕፁያት ንምቑፃር ዝካየድ ቃለ መሕትት ይንእድ።ንሱ ንርእሱ እውን እውን ተጠቃሚ ናይዚ ፖሊሲ እዩ።
ልክዕ ከም መብዛሕቲኦም መዘናታቱ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሳን ፍራንሲስኮ ፎርቲናይነርስ እቲ ፖሊሲ ንዝሓዞ ንዝተልዓለ ፅቡቕ ሃቀነ ኣየማልአን ዝብል እምነት ኣለዎ።እቲ ፖሊስ ኣብ 2003 ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ሰለስተ ፀዓዱ ዘይኮኑ ዋና ኣሰልጠንቲ ነይሮም ሎሚ እውን ሓሙሽተ እዮም ዘለው።
ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት እቲ ኣሃዝ ክድይብን ክወርድን ፀኒሑ እዩ።ኣብ ኣቆፃፅራ ሃገራዊ ፉትቦል ሊግ (NFL) ዘሎ ኣሰራርሓ ብዝምልከት ግን ኣብቶም ውሑዳን ሕፁያት ተወዳደርቲ ጥርጣረ ኣሎ።እዚ ምጥርጣራት ግን እቲ ሊግ ሩኒ ሩል (Rooney Rule ) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣሰራርሓ ምስኣተኣታተው እውን እዩ ቀፂሉ።ሩኒ ሩል ብሽም ወናኒ ነበር ጋንታ ስቴለርስ ናይቲ ሊግ ኮሚቴ ብዙሕነትብዝሃነት ይቆፃፀር ዝነበረን ዳን ሮኒ ዩ ተሰምዩ።